“ስርኩላራት ህግደፍ…ኣብ ኣፍ ሞት”

እዋናዊ ዛዕባ

ክቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ሳልሳይ ክፋል “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቆጣቑጢ ይረኣዩ” ብዝብል ዝጀመርኩዎ ሓበሬታ ክፍንወልኩም ይግባእ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገርና ዝምልከት ሓበሬታ ስለ ዘሎ ኣቐዲመዮ ኣለኹ፡፡

ዕርበት ጉጅለ ኢሳይያስ እንዳተጋህደ እዩ፡፡ ግዳማዊን ውሽጣዊ ሰላሕታዊ ተቓውሞታት፡ ዓለም ምስ ዘገረመ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰልፍታትን ተደማሚሩ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣህጉራውያ ውድባትን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኢሳይያስ ሓያሎ ጸቕጥታት ምግባር ስለ ዝቐጸሎ፡ ዓቕሉ ዘጽበበ ኢሳይያስ ሸበድበድ ኣብዚሑ ኣሎ፡፡

ብፍላይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘይ መጽናዕቲ ሃንደለቕ ኢሉ ዘበጋገሶ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ከቢድ ቁጠባዊን ማሕበራዊን በሰላታት ብምስዓቡ ኣብ ህዝቢ ምንዕዓብ ከይፈጥር ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ፡፡ ሰብኣዊ ጸጋታት ኣብሪሱ ህዝብና ብንዋታዊ ጸጋታቱ ክዕንቅጾ ዝፈተነ ኢሳይያስ፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ ድርኩኺት ዕርበቱ ኮይኑ፡ ሰላሕ እንዳበለ ከታልል ይፍትን ኣሎ፡፡

ዓለማዊ ተነጽሎ ዘጓነፎ ኢሳይያስ፡ ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ መፋርቕ ወርሒ የካቲት 2016 ንጀነራል ስብሓት፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)ን የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)ን ጸዊዑ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ ቀጺሉ ኩሎም ተኣከብቲ በቢወገኖም ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኣብ ጸጥታዊ ዕዮታት ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራኢዮም፡፡ ናይ ካልኦት ገዲፍና ናይ የማነ ማንኪ ምስ እንርኢ ብዘይልሙድ ኣገባብ ኣብ ምጽራይ ተዋፊሩ ንገለ ኣባላት ጸጥታ ናብ ቤ/ጽሕፈቱን ኣብ መዘናግዒ ቴክኖ ጋርደን እንዳጸወዐ መምርሕታት ከውርድን ክዘራርብን ቀንዩ፡፡ ብሓፈሻ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝሓደሮ ሓያል ሻቕሎት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ዝተፈላለዩ ሰርክላራት ብምስዳድ እዞም ሲዒቦም ዝግለጹ ተግራት የሰላስል ኣሎ፡-

– “መንግስቲ ምሕረት ገይርልኩም” ብዝብል መምርሒ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኩብሉላት ንዝደለየ ዓመት ይኾብልሉ ብዘየግድስ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ 2/2016 ነናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ተኣዊጁ፡፡ ኣብቲ ስርኩላር ዝኾነ ይኹን ጻውዒት መንግስቲ ዝነጸገ ዜጋ ማሕበራዊ መሰላቱ ተሓሪሙ ጤሳ መሬት ከምዘይርክብን፡ ብገበን ተሓታቲ ኮይኑ ከምዝቐርብን ፍሉይ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉን ይገልጽ፡፡ ንኣወጅ መንግስቲ ተቐቢሉ ናብ ኣሃዱታቱ ንዝምለስ “መንግስቲ ናይ ሕሉፍ ገዲፉ ምስቶም ኣብ ኣሃዱታቶም ዝጸንሑ ኣባላት ናይ ደሞዝ ወሰኽ ተረባሒ ከምዝገብሮ” ይገልጽ፡፡ ነዚ ጉዳይ ኣዛዘቲ ግንባራት፡ ዝምልከቶም ሓለፍቲ፡ ስታፋት ጎስጓስን ሓበሬታ፡ ኣካላት ምምሕዳርን ጸጥታን፡ ብዕቱብ ክሰርሑሉ መመርሒ ወሪዱ፡፡

– ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ማሕቡሳት ብምኽንያት ኩብለላን ስግረ ዶብን ኣሰገርቲ፡ ተሓባበርቲ፡ ደለልቲ ተባሂሎም ብፍርዲን ብዘይፍርድን ተቐይዶም ንዝነበሩ ብጀካ ናይ ፖለቲካ ጥርጡራት ተፈቲሖም ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ናብ እዝታት (ግንባራት) ሰርኩላር ወሪዱ፡፡

– ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ አገልግሎት ዘይከደ ሕጂ ክኣቱ ከምዘለዎ ይሕብር፡፡ ኣብቲ ስርኩላር “ውሁድ ሽርሒታት ወያነን ስርዓት ዋሽንግተንን” ብዝብል ከም መብርሂ ዝተገልጸ ሓሳባት “ብግዳምን ብውሽጥን ተጻብኦታት ይሕይል ስለዘሎ” ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ መምርሒ ጻንታ፡ ኣላይ ስድራ፡ ስፖርታውያን፡ ካብ ጀነራል ዝተረፉ ተምሃሮ፡ በቢከባቢኦም ናብ ዝተደኮና መደበራት ታዕሊም ንኽወርዱ ይእዝዝ፡፡ ብተወሳኺ ቀንዲ መፍለዬ ረቋሓ ክኾን ዝግበኦ ካብ ምምሕዳራት ዝተዓደለ ወረቐት ዘይኮነስ ኣካላዊ ኩነታትን ብቕዓትን ብዓይኒ ወተሃደራዊ መዐቀኒታት ክኾን ከምዝግባእ ይሕብር፡፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ከይተመርዓዋን ሓዳር ከይሓዛን ብዝተተምነየ ወረቓቕቲ ቃል ኪዳን ኣሲረን ምስ ዝረኣያ ተታሒዘን ናብ ዝምልከቶ ምምሕዳራት ብምውሳድ ክጻረያ ይሕብር፡፡

ብካልእ ሸነኽ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ኢንባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን ዝወረደ ሰርኩላር ከምዘረጋግጾ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንትፈታት “ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንጸብጻባት ተቆጸጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንምብዳህ ቀጺሎም ዝስዕቡ መደባት ከምተሓንጸጹ ይሕብር፡-

1. ብኣምባሳዶር ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲገራህቱ) ዝምራሕ ላዕለዋይ ኮሚቴ ንሰብኣዊ መሰላት ተጣይሱ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝተፈላለዩ መደባት መንግስቲ ከተግብር ከምተወሰነ፡፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኮይኖም የማነ ገብረኣብን ዘምህረት የውሃንስን ክመርሕዎ፡፡ ንግዳማዊ ንጥፈታት ዝምልከት ኣፈጻጽማታት ኮሚቴ ምስ ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም (UN)፡ ሃና ስምኦን (ፈረንሳ)፡ ወይኒ ገረዝጊሄር (ኣብ ንግስነት ሱዕዲያን ከባቢኣን)፡ ብርሃነ ገብረሂወት (ኣሜሪካን ካሪቢያንን)፡ ተስፋማርያም ተከስተ – ወዲ ባሻይ (ማእከላይ ምብራቕ)፡ ሳልሕ ዑሞር (ደቡባዊ ኣፍሪቃን ከባቢኡን)፡ ኣርአያ ደስታ (ሕብረት ኣፍሪቃ) ብምርድዳእ ክዓሙ ተገሊጹ፡፡

2. ብየማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ካልእ ልኡኽ ከኣ “ዉሁድ መኸተ ነባሪ ልምዓትን ውዱን ሽርክነትን” ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኤሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኣባላት YPFDJ ብምውህሃድ ኣንጻር ጸብጻባት ተቆጻጻሪት ጉጅለ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታትን ኣኼባታትን ከካይዱ ብተወሳኺ ብኢንባሲታት ኣቢሉ ክትግበር ዝጸንሐ መስርሕ ምእካብ ፊርማታት ኣንጻር ተቆጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ተጠናኺሩ ክቕጽል፡፡ ኣብዚ መስርሕ ዘይተሳተፉ ዜጋታት ንኣሰልጦ ወረቓቕቲ ናብ ኢንባሲታት ምስ ዝመጹ ብግዴታ ንክሳተፉ ይሕብር፡፡ ዝርዝር ኣፈጻጽማ መሰርሕ ምእካብ ፊርማ ብልዑል ሚስጢር ክተሓዝ፡ ንምስላጥ ዝመጹ ዜጋታት መጸናጸኒታትን ካሜራታትን ከይህልዎም ብግቡእ ክፍተሹ፡ ፈረምቲ ነቲ መስርሕ ብግዴታ ከምዝኾነ ከየስተብህሉ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሕሉ ይሕብር፡፡

3. ብኣላይነት የማነ ገብረመስቀልን ዘምህረት የውሃንስን International Conference on Eritrean studies ብዝብል ኣብ ወርሒ ሓምለ/2016 ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብምድላው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ “ቀጻሊ ጸለመታታት” ንምብርዓን ካብ መላእ ዓለም “መርገጺኦም ዝተነጸረ ሙሁራት” ጻውዒት ብምግባር ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ንኸቕርቡን ዓለማዊ ኣተኩሮ ብምርካብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ጠመተ ንምቕያር ዝዓለመ ውጥን ወጺኡ ኣሎ፡፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ዛጊት ወረቓቕቲ ዘቕርቡ “ሙሁራት” ዕድመ ዝተገብረሎም ኮይኑ ኣስታት 15 ኣብ ጉዳይ ኤርትራ 4 ከኣ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዘድሃቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንምቕራብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡ እዚ መደብ ሉዑል ፖለቲካዊ ከስቢ ክርከበሉ ዝተሓንጸጸ “መድረኽ ሙሁራት” ኮይኑ ብህግደፍ ዝለዓለ ባጀት ዝተሰለዓሉን ኣቐዲሙ ክለዓል ዝኽእል በዳህቲ ሕቶታትን ንምፍሻል ብዘምህረት የውሃንስ መባእታዊን ኣፈናዊን መጽናዕታት ይካየደሉ ኣሎ፡፡ ከም ኣዳላዊት ዝተመዘዘት 1 ፕሮፊሰርን 2 ዶኳትርን ዝርከብዋ ኮሚቲ ተጣይሳ፡፡ ከምቲ ልሙድ ብፍሕሽው ገጽን ብዳንኬራን ንምዕጃብ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ኣብዚ ዋዕላ ንዝሳተፉ ኣጋይሽ ንዋታዊ ቀረባት ከዳሉ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኮይኑ ዛጊት እቶም ኣጋይሽ ኣብ ኤርትራ ዝዛናግዑለን ቦታታትን ዑደት ዝገብርሉ ከባቢታትን ተፈሊዩ ኣሎ፡፡

4. “ንምፍሻል ዘመተ ሶሻል ሚዲያ- ብፍላይ ፌስቡክ” ኣብ ዝብል ዓውዲ እቲ ሰርኩላር ኣብ ቀረባ “ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስት ኤርትራ“ እንዳዛየደን መልክዑ እንዳቀያየረን ዝመጽእ ዘሎ “ጠቐነን ጸለመን” ፌስቡክን ሶሻል ሚዲያን ንምብዳህ ክተሓዝ ዝግበኦ መደብ በቢደረጅኡ የነጽር፡፡ ብመሰረት”ዚ ምስቲ ዝግበር ዘሎ “ዉሁድ ናይ ሚዲያ ሽርሒታት” ክነጻጸር ከሎ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ተጠቃሚ ኢንተርኔት ዘይምኻኑ ከም እውንታ ብምግላጽ ኣብ ደገ ዘሎ ዜጋ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ተመቒሉ፡፡ ነቲ “ቀስብቀስ መጋበርያ ጸላእቲ ዝኾነ ብሶሻል ሚዲያ ዝተሸርሸረ” ዜጋ ንምድሓን ከምኡ ውን በቲ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ላንጋላንጋ ዝኾነ ዜጋ ንምምላስ” ብዛዕባ ቀጻሊ ክግበር ዝግበኦ መደባት ከምዝስዕብ ይዝርዝር፡-

– ኣብ ቀረባ ኣብ ሶሻል ሚዲያ ብፍላይ ምስ ጸጥታ ምትሕሓዝ ዘለዎም ላሕኺ ተኣፈፍቲ ሓበሬታታት ይረአ ስለ ዘሎ ጎኒንጎኒ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጽራይ ዕማማት ነዚ ዝምልከት ናይ መኸተን ህዝባዊ ርክባትን ስርሓት ብተመሳሳሊ መርበባት ሶሻል ሚዲያ ኣብ ትካላት ጸጥታ ክተኣታቶ ከም ዝግባእ፡፡

– ኣብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝርገሐ መርበባት VSAT ን Wi-Fi ን ብምጥንኻርን ብምውህሃድን ኣብ ሶሻል ሚዲያ ንዝግበር “ጸለመታትን ሽርሒታትን” ብሙሁራዊ ትንታነ ዝተደገፈ መልሲ ዕንጋለ ምሃብ

– “ብኩላትን ዘይብኩላትን” መርበባት ብምፍላይ ብደረጃ መንግስትን ግንባርን ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምዝርጋሕ

– ቅድሚ ሕጂ ብኣላይነት ህግደፍ ዝመሓደሩ ዌብሳይታትን ፔጃትን ኣድማዕነተን ተገምጊሙ ብዝለዓለ ውደባን ትሕዝቶ ክቕጽሉ ምግባር፡፡ እቶም ስውር መንነቶም ዝተገሃደ ዌብ ሳይታትን ፔጃትን ክዕጸው ብምግባር ከም ብሓድሽ ብካልእ ኣካውንት ምኽፋት፡፡ ኣብ ትሕዝቶታቶም ኣንጻራዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ “ናይ ጸላእቲ” ትሕዝቶታት እውን ሓዊስካ ምዝርጋሕ (www.eastafro.com ዝብል ዌብሳይት ከም እውንታዊ ተሞኩሮ ብኣብነት ተጠቒሱ)

– ብየማነ ገብረኣብ ኣብ ደገ ዝካየዱ ምትእኽኻባት መንእሰያት (YPFDJ) “ዘመተን ጠቐነን” ሶሻል ሚዲያ ኣካል ውሁድ መኸተ ንግዳማዊ ሽርሒታት ከምዝኾነ ብምርዳእ እጃሞም ከበርክቱ ምግባር

5. ንጸብጻብ ተቆጻጻሪት ጉጅለ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ንቃል (ኢንተርቪው) ስደተኛታት ተወኪሶም ኣሉታዊ መደምደምታ ሒዞም ናብ ሃገርና ክኣትው ንዝተፈቕደሎም ወከልቲ ኣህጉራዊ ውድባትን መንግስታትን ዝምለከት ንዘልዕልዎ ሕቶታት፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታዊያን ትካላትን ግንባርን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ረጽምን (disparity & inconsistence) ከይፍጠር ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተዳለወ ሰርኩላር ከኣ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ፡፡ ዝኾነ ይኹን ወጻእተኛ ናብ ኤርትራ ንስለያዊ ሽርሒታት ከምዝኣቱ መበገሲ ትንታነታት ጠቒሱ ናብ ቀጻሊ መደባት “መንግስቲ” ዘተኩር “ስርኩላር ንኣንጻር ብምስምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር ውሁድ ሽርሒታት” ከኣ ቀጺሉ ዝስዕብ ጉዳያት የልዕል፡-

– ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ” ኣመልኪቱ ዘውጸኦም እማመታት ብቀንዱ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ይጥምት፡፡ ጉዳይ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጉዳይ እሱራት ፖለቲካ፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት እዮም፡፡ ነዘን ሰለስተ ጉዳያት ኣመልኪቶም ንዝለዓሉ ሕቶታት ብኣካላት መንግስትን ግንባርን ክወሃቡ ዝግበኦም መልስታት ኣብ ሰለስተ ኣምራት ይድረኽ፡

5.1 ንጉዳይ ምንዋሕ ሃ/ኣገልግሎት ዝምለከት ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይኮነስ ሃገራዊ ኣገልግሎት (there is no military service in Eritrea, there is only national service ) ከምዘሎ ብምዝኽኻር ብሰንኪ ግዳማዊ ተጻብኦታት ከምዝተናውሐ፡ ኣብዚ ዓመት ግን መንግስቲ ደሞዝ ብምውሳኹ ኩሉ ሰብ ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅቡል ከምዝገበሮን ናይ ምፍናው ድሌታት ከምዘየለን ምሕባር ኣገዳሲ’ዩ፡፡ ከም መረዳእታ ነቶም ኣብ ቀረባ ጭቡጥ ወሰኽ ደሞዝ ዝተገብረሎም ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ክውከሱ ምግባር (ይብል)፡፡ (እዚ ስርኩላር ብልዑል “ሚስጢር” ክተሓዝ ይላቦ፡፡)

5.2 ንእሱራት ፖለቲካ ዝምልከት ሕቶታት እንተኣልዒሎም ነፍሰወከፍ ቤ/ጽ ከምዘይምለከቶ ብምርዳእ፡ ብወገን ህዝቢ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ዝተወስደ ስጉምቲ ሃገር ንምድሓን ዝተወስደ ፍትሓዊ ምኻኑ ቅቡል ከምዝኾነ ነቶም ሓተቲ ምርዳእ የግድስ፡፡

5.3 ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ሕግን ዝምልክት ቅድሚ ሕጂ ዝተወሰኑ ናይ ኣተኣላልያ ጸገማት ከምዝነበሩ ብምእማን “መንግስቲ” ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት መጽናዕታት ኣካይዱ ሓድሽቲ ገበናዊን ሲቪላዊን ሕግታት ዛጊት ኣተኣታቲዩ ንህዝቢ ጎስጓሳት የካይድ ከምዘሎ ክርድኡ ምግባር፡፡ ንቅዋም ዝምልከት ሕቶ እንተተላዒሉ ከኣ ብደረጃ መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎን ንኣፈጻጽምኡ ሓይሊ ዕማም ከምተጣየሰን ብኣግባቡ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ ንምዕዛብ ምስዝደልዩ ሰቪላዊ ድጓናታትን ኣብያተ ፍርድን ክውከሱ ዝምልከቶም ኣካላት ዕቱብ ምክትታል ክገብርሉ ይግባእ፡፡ (ይብል)

(ክቡራት ኣንበብቲ ናብ ኤርትራ ዝኣተው ናይ ኢንግሊዝን ዴንማርክን ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ዝኣተው Swiss German Joint fact finding mission ዝተብሃሉ መጽናዕታዊ ጉጅለታት ብከምዚ ዓይነት ኣገባብ መልሲ ዝተውሃቦም ‘ዮም፡፡)

ብሓፈሻ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣብ ዝተፈላለዩ ሰርኩላራት ምድላውን ምዝርጋሕን እዩ ተጸሚዱ ዘሎ፡፡ ናብ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተርን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝተዘርግሑ ሰርኩላራት ንግዜ ገዲፈ ኣብዚ እዋን ዝተዘርግሑ ሰርኩላራት እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ እዮም፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ፕረሲደንት ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ኣብዚ እዋን ዘሰግአኦም መሰረታዊ ነገራት ምስ እንዕዘብ፡-

ሀ) ኣብ ሃገርና ንምቁጽጻሩ ዘጸግም ፍንው ህዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን ከይለዓል ንምቁጽጻሩ ከኣ እቲ ብኹብለላን ካልእን ኣብ “ሰንፈለል” ዝርከብ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ብሓደ ገጽ ዘገድዱ ኩነታትን ብምፍጣር ብግፋን ብድሌትን ናብ መሳርዑ ክጽንበር ምግባር፡፡ ብካልእ ወገን ከኣ ንመምርሒታት መንግስቲ ዘይቅበሉ በቲ ስጡም ኣተሓሕዛ ተጨናኒቖም ሃገር ናይ ምግዳፍ ኣማራጺ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም፡፡
(ዝብል’ዩ)

ለ) ላሕኺ ተኣፈፍቲ ሚስጢራት፡ ግዳማዊ ጸቕጥታትን ሰለማዊ ስልፍታትን ተጠናኺሩ ንከይቅጽል፡ ብውጽኢቱ ከኣ ተወሰኽቲ እገዳታት ከየስዕብ፡ ከምኡ’ውን ኢሳይያስን ካልኦት ሓለፍትን ናይ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርድታት ICC ጠመተ ዝረኽብሉ ኩነታት ከይፍጠር’ዩ፡፡

Related Articles

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close