ድርሳነ ደም ኣቡጠዊላ

(ሰነዳት ኣንበብቲ)

ክቡራት ኣንበብቲ!

ሎሚ ብዛዕባ ሰዲግ ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፍ፡ ስዒቦም ካብ መላእ ዓለም፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ዝበጸሓኒ ሓበሬታ፡ ምስ ኣብ ኢደይ ዝርከቡ ገለ ተወሰኽቲ ጭብትታት ሓዊሰ ክፍንወልኩም፡፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ብምኳን፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንብዙሓት ዜጋታት ዘጥፍአን ዘሳቐየን ሌ/ኮ ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሰዲዶምለይ ኣለው፡፡ ንኹሉኹም ግዱሳት እንዳመስገንኩ ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ሓሳብ ከስግረኩም፡፡

ዑስማን ኣቡጠዊላ፡ ካብ ሚሒር ጭካንኡ ዝብገስ ብዙሓት ሰባት “ሓደ ኢዱ” ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንሰባት ክሃርም ኢዱ ወስ ምባል ዝቐንዖ፡ ምርድዳእ ዘይፈቱ፡ ኢሂን ምሂን ዘይፈልጥ: ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ‘ዩ፡፡ እታ “ሓደ ኢዱ“ ትብል ሳጓ ዝለገበቶ’ውን፡ ሓደ ግዜ ንሱ እንተጸፊዑካ ንምትሳእ ከቢድ ስለዝኾነ’ዩ፡፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ማዕረ ክንዲዚ ገኒኑ ክወጽእ ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት፡ ብሓደ ገጽ ኣብ ጉዳይ “ጀሃድ” ዝነበሮ ኣበርክቶ ኮይኑ፡ ብካልእ ወገን ከኣ፡ ንሓላፊ ጸጥታ ምክትታል ዶባት ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክ፡ ብብላዕን ብካልእን ሒዝዎም ስለ ዝነበረ’ዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ዝተመደበሉ ቦታ ዜጋታት ብረሃጾም ዘጥረይዎ ሃብቲ ክዘምት፡ ብቐትሪ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሰብ ክርሽንን፡ ፈቖዶ ኣንደራት ብዙሓት መናእሰያት ከሕቅቕን ዋላ ሓደ ያዕ ዝብሎ ሰብ ኣይነበረን፡፡

ዑስማን ኣቡጠዊላ ርእሱ ከቕንዕ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብ 1990ታት፡ ብስምስም ጀሃድ ዝረኸቦ “ተቐባልነት” ተጠቒሙ፡ ማዕረ ሓደ ጀነራል ንነብሱ ቆጺሩ፡ ዘይወግዓዊ ኣኼባታት እንዳካየደ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ጋሽ ባርካ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ተሰነይ ዝህድድን ዘበሳብስን ዝነበረ እሙን ኣገልጋሊ ምልኪ’ዩ፡፡ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ኣብ መፋርቕ 2000 ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተጋደደ ዝመጸ ጉዳይ ስግረ ዶብ ንምግታእ፡ ዘውረዶ ናይ “ተኪስካ ቅተል” መምርሒ ድማ፡ ንኣቡጠዊላ ካብቶም ድላዩ ክገብር ምቹእ ባይታ ዝፈጠርሉ መምሪሒታት ሓደ ኔሩ፡፡ ብምኽንያት ስግረ ዶብ ንዝደለዮ ሰብ “ሓሲብካ! ኣስጋራይ! ተሓባባራይ! ሰምሳሪ! ፓይሎት!….” ዝብሉ ኣስማት እንዳጠቀዐ፡ ብዙሓት ዜጋታት ብምውንጃል ኣጥፊኡን ኣሕቂቁን’ዩ፡፡ ካብ ዝተልኣኹለይ ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፡

  • ቢንያም ፈሪዕ ዝተብሃለ ተምሃራይ ዩንቨርሲቲ ነበር፡ “ኣስጋራይ!” ተባሂሉ 2006 ምስተተሓዘ ሓደ ዓመት ክእሰር ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ 2007 በዓል ብርሃነ ግርማይ፡ ተከስተን ቀሺን ዝበሃሉ ኣባላቱ ሊኢኹ ክርሸን ጌርዎ ‘ዩ፡፡
  • ጉዳይ ስግረ ዶብ ማዕረ ኣብ ሊብያን ማልታን ተባጺሑ፡ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ብዙሓት ዜጋታትና ካብ ማልታ ተታሒዞም፡ ናብ ኤርትራ ምስ ተመለሱ’ውን፡ ብስም “ምጽራይ” ካብ’ቶም ዝመመዮም ብዙሓት ዜጋታት ንገሊኦም “ገበነኛታት” ኢሉ ክርሸኑ ገይርዎም ‘ዩ፡፡ ካብዚኣቶም ኣስመሮም ዝተብሃለ ተምሃራይ ዩንቨርሲቲ ዝነበረ ወዲ ዓዲ ንፋስን፡ ዳኒኤል ዝበሃል ወዲ ኣስመራን (ቤት ሙዚቃ ዝነበሮ) ካብ ኣስመራ ከባቢ ቦቸፊላ ብርሃነ ጆንጋራንግ (ኣባል ስርሒት 05 ነበር) ምስ ሓዞም፡ ብቐጥታ ናብ ኣቡጠዊላ ተላኢኾም፡ ድሕሪ ከቢድ መርመራ፡ ኣብ ወርሒ 10. 2007 ተረሺኖም ’ዮም፡፡ ስድራ ናይዞም ክልተ ግዳያት ደቆም ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘለው ዝፈልጡ ኣይመስለንን፡፡
  • ብ11 መጋቢት 2006 እውን፡ ብትእዛዝ ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክን ኣቡጠዊላን፡ ሓደ ከም ናይ ደርግ “ቀይሕ ራዕዲ” ዓይነት ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ተሰነይ ተፈጺሙ ‘ዩ፡፡ በቲ ዕለት ንህዝቢ ተሰነይ፡ ሃንደበት ናብ ሩባ ጋሽ ኮብኪቦም ወሲዶም፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ምስ ኣበልዎ፡ ክልተ ኢዶምን እግሮምን ብመቑሕ ዝተኣሰሩ መንእሰያት፡ ካብ ማኪና ኣውሪዶም ኣምጽኦም፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተምበርኪኾም ኮፍ ከምዝብሉ ድሕሪ ምግባር፡ “እዞም ትርእይዎም ዘለኹም ሰባት ብተደጋጋሚ ስግረ ዶብ ክሰርሑ ዝጸንሑ’ዮም፡፡ ብተደጋጋሚ ክእረሙ ዝተውሃቦም መጠንቀቕታ ንዒቖም ስለ ዝቐጸሉ፡ ኢድና ኣርኪብዎም፡፡ ሕጂ ናይ ሞት ፍርዲ ተወሲንዎም ኣሎ፡፡” ድሕሪ ምባል ሙሉእ ኣስማቶምን ታሪኽ ህይወቶምን ኣንቢቦም፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኖምዎም፡፡ እቲ ሓደ ደበሳይ ሃብተስሉስ (ወዲ ሃብተስሉስ) ዝባሃል ስድርኡ ኣብ ተሰነይ ዞባ ሽዕብ ዝነበሩን እንዳ ጥሕኖ ዘላቶምን ኮይኑ፡ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ኔሩ፡፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ወዲ 21 ዓመት ተወላዲ ብሄር ትግረ ኮይኑ ስድርኡ ተቐማጦ ዓሊጊደር’ዮም፡፡

እዞም ክልተ መንእሰያት ካብ ኣቀታትልኦም ንላዕሊ፡ እቲ ኣኣዩ ዘሕዝን ሬስኦም ምስ ውዕይ ደሙ፡ ብማኪና ተጸይሮም ስድርኦም ከይፈለጡ፡ ነናብ ኣፍደገ ገዝኦም ምድርባዮምን ህዝቢ ተኣኪቡ ከይቀብሮም በዓል ኣቡጠዊላን ዮናስ ብጹእኣምላክን ምእዛዞምን’ዩ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ተስፋ ዘስንቕ ድማ፡ ህዝቢ ተሰነይ ንትእዛዛት እዞም ግፍዐኛታት ጥሒሱ፡ ቅድሚኡ ኣብ ተሰነይ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ ህዝቢ፡ ነቶም መንእሰያት፡ ብስነ-ስርዓትን ጸሎተ ፍትሓትን ምቕባሩ ‘ዩ፡፡ በቲ እዋን ኣብ ተሰነይ ኩሉ ህዝባዊ ትካላት ተዓጽዩ፡ ኩለን ኣውቶቡሳት መገሸአን ደው ኣቢለን ነይረን፡፡ (ኣነ ውን ከም ሳክቲዝም ኣብቲ እዋን ካብ ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ጋሽባርካ ሓንቲ ጉጅለ ተዳሊያ ኣብ ቀብሪ እቶም ግዳያት ብሕቡእ ክትጸናጸን ተዋፊራ ምንባራ እዝክር)፡፡

በቲ እዋን ሕርቃንን ሕራነን ህዝቢ ሰማይ ዓሪጉ ስለዝነበረ ንምርግጋእን፡ ድሕሪ መርሸንቲ’ቶም ክልተ መንእሰያት፡ በዓል ኣቡጠዊላ ከይሓነኹ፡ ህዝቢ ተሰነይ “ንኽመሃርን ስግረ ዶብ ንኽጠፍእን” ብዝብል ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ርእይቶኡ ክህብ ሓቲቶምዎ፡፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣኼባ ሓደ ወዲ 75 ዓመት ኣቦ ከምዚ ዝስዕብ ቃል ሂቦም፡ “ኣነ ደጊም ወዲ 75 ዓመት እየ፡፡ ኣብ ተሰነይ ተወሊደ ዝዓበኹ፡ 4 ባንዴራ ናይ ገዛእቲ ሓይልታት ዝረኣኹ፡ ኣብ ጀብሃ ውን ተጋዳላይ ዝነበርኩ ሰብ እየ፡፡ ተሰነይ ኣብ መዋእላ ከምዚ ዓይነት ግፍዕን ፍጻመን ሪኣቶ ኣይትፈልጥን፡፡ እሞ ከኣ ብደቃ! ሎሚ ንመጀመሪያ ግዜ ሪኢና፡፡ እዞም ኣብ ቅድሜና ተረሺኖም ንሪኦም ዘለና ቆልዑት፡ ዋላ ኣይንውለዶም ’ምበር ደቅና ንዓኻትኩም ከኣ ኣሕዋትኩም ’ዮም፡፡ እቲ ሰሪሖምዎ ዝበልኩምና፡ ብሓቂ ሰሪሖምዎ ድዮም? ኣይሰርሕዎን? ካብ ኣፎም ስለ ዘይሰማዕና፡ ንፈልጦ የለን፡፡ ንስኹም ኢኹም ትነግሩና ዘለኹም፡፡ ዋላ ፈጺሞምዎ እንተኾኑ’ውን፡ ከም ቀደምኩም ኣብ በረኸኦም ዘይትቐትልዎም፡፡ ንጸላኢ’ውን ሕጂ ኢኹም ዕድልን ሓይልን ዝሃብኩምዎ፡፡ በዚ ኣገባብ እዚ ዝእረም ጌጋ ዝህሉ ኣይመስለንን፡፡ ተጋጊኹም ኣለኹም! ዞም ደቀይ! ድሕሪ ደጊም ከይድገም ሓደራ ይብል፡፡” ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም፡፡

ብሓፈሻ ግፍዕታት ኣቡጠዊላን ዮናስ ብጹእኣምላክን፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተጸብጺቡ ኣይውዳእን፡፡ ኣብ ወርሒ 6/2009 ካብቶም ንሰፋራ ኢሎም ናብ ቃጨሮ ዝወረዱ ህዝቢ፡ ሓንቲ ጓል በሪሁ ዳኘው ትባህል ውልቀ ሰብ፡ ሰብኣያ ኣብ ደገ ስለዝነበረ፡ ደቃ ሒዛ ናብ ዓዳ (ካበቢ ጾረና) ተመሊሳ ናብ ኢትዮጵያ ክትሰግር ምስተታሓዘት፡ ተኣሲራ ናብ ተሰነይ ተወሲዳ፡፡ በቲ እዋን ዮናስ ብጹእኣምላክ ተረኪቡ፡ ን4 ደቃ ናብ እንዳ ኣባሓጎታቶም ፋሕ ክብሉ ብምግባር ንዓኣ ከኣ ንኣቡጠዊላ ኣረኪቡ ቀጥቂጡ ናብ ኣብ ናቕፋ ናብ ዝርከቡ ሓለፍቲ (መብዛሕትኦም መሳርሕቱ እዮም) ከም መጋቢት ኮይና ክተገልግል ሰዲድዋ፡፡

ዑስማን ኣቡጠዊላ ብጀካ መርሸንቲን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞም ግፍዕታትን፡ ኣብ ኮንትሮባንዳን፡ ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰባት’ውን ዝዓበየ እጃም ነይርዎ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ምስ ሓለፍቲ ምክትታል ዶባት ብምትእስሳር ክሳብ ሓማሽ ከሬብን ቶጋንን ዝበሃል ከባቢታት ምብረቕ ሱዳንን ምዕራብ ኤርትራን ዝተዘርግሑ ናይ ኮንትሮባንዳ ዋህዮታት ነይሮምዎ፡፡ ፈለማ ምክትታል ዶባት ክቖውም እንከሎ ብብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ እንዳተመርሐ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምክትታልን፡ ብሸነኽ ጋሽባርካ ዘለው ድማ ንተቓወምቲ ሱዳንን ራሻይዳን ከምኡ ውን ንተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን (ብሄረ ሃረንድዋ፡ ናይ ጆንጋራንግን ዳርፉርን) ንምኹስኳስ ተባሂሉ ዝቖመ ኣሃዱ’ዩ፡፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ምንቅስቓስ ምስ ቀሃመ፡ ኣሃዱ ምክትታል ዶባት ተኽለ ማንጁስ፡ ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክን ከምድላዮም ዝገብርዎ ስለዝኾነ ብቐጥታ ናብ ስገረ ዶብ፡ መሸጣ መንእሰያት፡ መሸጣ ኮላሊት፡ መሸጣ ኣጽዋርን፡ ዝምታ ጥሪትን እዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ፡፡ (ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ኣብ ዞም ጉዳያት ብፍላይ ተኽለ ማንጁስ ዝነበሮ ተራ ኣብ ካልእ እዋን ዝገልጸልኩም ኮይኑ ንሎሚ ናብቶም ካብ ኣንበብቲ ዝተልኣኹለይ ሓበሬታት ክቕጽል)

ኣቡጠዊላ ኣብ ኮንትሮባንዳን መሸጣ ደቂ ሰባትን ዝነበሮ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ከይፍለጥ ብዝተኸኣሎ መጠን ነቶም ኣንጻሩ ዝቖሙ ውልቀ ሰባት’ውን “ጀሃድ” እንዳበለ ኣጥፊእዎም’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳንን ኣብ ተሰነይን፡ ኣብ ምስግጋር ዝነጥፉ ናይ ባዕሉ ጉጅለ ሰምሰርቲ ኣዋፊሩ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊታት ይረክብ ነይሩ፡፡ ካብቶም ዘዋፈሮም ሰምሰርቲ ሓበሬታ እንዳተቐበለ፡ ንካልኦት ኣስገርቲ ብፍሉይ ስርሒት እንዳዓፈነ፡ የጽንት ነይሩ፡፡ ንኣብነት ሓደ ኣኑር ዝተብሃለ ሕደርባይ “ኣስጋሪ” ተባሂሉ ምስ ተትሓዘ፡ ተኸስተን ቀሺን ዝተብሃሉ ኣባላቱ፡ ምስ መርመርዎ ኣብ መርመራ ሽም ናይ ኣቡጠዊላን ኣብ ስግረዶብ ዘለዎ ምትእስሳርን ብምጥቋሙ፡ ጸብጻብ ምስ በጽሖ ንክርሸን ኣዚዙ ንጽባሕቲኡ ተረሺኑ’ዩ፡፡ በቲ እዋን ሓደ ኣቤል ዑሞር ዝበሃል ወዲ ስውእ ተጋዳላይ ኣዲኡ ኣስቴር ትበሃል ነባሪት ተሰነይ ኣብ ምስግጋር ከም ዝነጥፍ ተጠርጢሩ ብማህረምቲ ፓራላይዝ ክኾን ገይሩ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ተደርቢዩ፡፡

ብካልእ ወገን፡ ኣቡጠዊላ ብጉልባብ ስራሕ፡ ኣብ “ሱዳን ኣለው” ምስ ዝበሃሉ ሱዳናውያን ኣስገርትን ቀርሰንትን፡ ኣዚዩ ጥቡቕ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ነይርዎ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ሱዳን ናቱ ቀንዲ ተሓባባራይ ኮይኑ፡ ማዕረ ገዝኡ ብጋርዲ ዝሕሎ፡ ብዙሓት ዜጋታትና ክሳብ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ዘሰጋገረን ዘጋፍዐን፡ ጃዕፈር ተገላዊ ምስ ዝበሃል ሱዳናዊ ፍሉይ ርክብ ነይረዎ፡፡ ጃዕፈር ተገላዊ ብመገዲ ኣቡጠዊላ ኣቢሉ፡ ከም ድላዩ መንቀሳቐሲ እንዳተውሃቦ፡ ብፒክኣፕ ማኪና ክሳብ ውሽጢ ተሰነይ፡ ኣለቡ፡ ኣቑርደት፡ ኣስመራ ኣትዮም ዝደለይዎ ሰብ ዝወስዱ ኣባላት ነይሮምዎ፡፡ ብተወሳኺ እዚ ጃዕፈር ተገላዊ ዝበሃል ምስ ናይ ተኽለ ማንጁስ ውዱባት ዝነበሩ ምስ በዓል ጀማል ሙሳ (ወዲ ሙሳ)፡ መድሃንየ፡ ኣንገሶም ወጅሃይን ካልኦትን’ውን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ነይርዎ፡፡ (ብዛዕባ እዞም ኣስገርቲን መሓውራቶምን ዝምለከት ሓበሬታ ከም ኣገዳስነቱ ሓደ መዓልቲ ክፍንወልኩም እየ፡፡)

ኣቡጠዊላ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ፡ ኣሰናይን ሳሚ ሱልጣንን ምስ ዝተብሃሉ ዕሉላት ኣስገርቲ’ውን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ነይርዎ፡፡ ብፍላይ ኣሰናይ ዝተብሃለ ከም ጠንቋላይ ዝፍለጥ ውልቀሰብ፡ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኣስገርትን ኣቡዓብደላ ምስ ዝበሃል ናይ ሲና ፍሉጥ ተቐባሊ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ማዕረ ኣብ ገዝኡ ብዙሓት ስደተኛታት ሓይሩ፡ ናብ ራሻይዳ ዘረክብ’ዩ፡፡

ብቐጥታ ምስ ኣብ ሱዳን ዝካየድ መስርሕ ምስግጋር ምትእሳር ዘለዎ፡ ንሓደ ዑስማን ሃደሮ ዝበሃል ሰብ እውን ክርሸን ገይርዎ ‘ዩ፡፡ እዚ ሰብ ብሓደ ገጽ ምስ ኣቡጠዊላ ብፐርሰንተጅ ይሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ምስ በዓል ኣሚነን ወዲዛራን ዝበሃሉ ኣባላት ጸጥታ ባረንቱ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ (ብዛዕባ ዞም ክልተ ሰባት ኣብ ሳክቲዝም ሓደ መዓልቲ ክፍኖ ‘ዩ) ደሓር ብሰንኪ ኣብ ሞንገኦም ብዝተፈጠረ ላሕኺ ሓበሬታ ንምጥፋእን ዘረባ ከየጋፍሕን ስለዝፈርሁ፡ ነንባዕሎም “ሕኸኸኒ ክሓከካ” ተባሂሎም ጨውዮም ረሺኖምዎ፡፡

ኣብ ዝምታ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግራ ዝነበራ ጥሪት’ውን ኣቡጠዊላ ረብሓ ነይርዎ’ዩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባን ን/ዞባን፡ ሓለፍቲ ምክታተል ዶባትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከይተረፉ ተቖማጢዖም ስለዝነበሩ፡ ኣቡጠዊላ’ውን ምስ’ዞም ኣካላት፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ነይርዎ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ሃብቶም ዝተብሃለ ወዲ ዓዲኣባዕረ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጥሪት ዘሚቱ ናብ ኤርትራ ይኣቱ ነይሩ፡፡ ምስዚ መንእሰይ እውን ነተን ዝመጻ ጥሪት ሸይጦም ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ እዋን ኣቦይ ኣብርሃለይን ሽመንዲን ዝተብሃሉ ትግራዎት ብዝሒ ዘለወን ጥሪት ሒዞም ምስ ሰገሩ፡ ዑስማን ኣቡጠዊላ ተረኪቡ፡ ነቶም ሰባት ኣሲሩ ድሕሪ ገለ መዓልታት ነተን ጥሪት ኣትሪፉ ብመንቀርቀር ኣቢሉ ናብ ዓዶም ክምለሱ ገይርዎም’ዩ፡፡

ዑስማን ኣቡጠዊላ “ንገበነኛታት ኣዕቒብክን፡ ሓቢእኽን፡ ተሓባቢርክን፡ ክትሰግራ ሓሲብክን” እንዳበለ ክንደይ ደቂኣንስትዮ ከምድልየቱ ዘራኸሰን ዘበላሸውን ሰብ እውን እዩ፡፡ ብፍላይ ክሰግራ ዝተረኸባ ደቂ ኣስመራ ክተሓዛ እንከለዋ ምስ ብርሃነ ጆንጋራንግ ኮይኖም ብሓባር ከምድላዮም ይምርምርዎንን ይጋሰሱወንን ነይሮም፡፡ ንኽብሪ እተን ደ/ኣንስትዮ ኢለ ኣስማተን ካብ ምርቋሕ ዋላ እንተተቖጠብኩ ክሳብ ሕጂ 23 ናይ ዝኾና ደ/ኣንስትዮ ዝርዝር ኣስማት በጺሑኒ ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!

ብምኽንያት ዛንታ ሰዲግ፡ ነቲ ኣዚዩ ብህዝቢ ተሰነይ ዝተፈንፈነ ኣቡጠዊላ፡ ስለ ዘልዓልኩዎ ክሳብ ሕጂ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ናባይ ይውሕዝ ’ሎ፡፡ ከከም ኣገዳስነቱ ኣብ ቀጻሊ መደባት ከቕርበልኩም ክፍትን እየ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ደንጊዮም ካብ ዝበጽሑኒ እዋናዊ ሓበሬታት ሓደ፡ ንህልው ኩነታት ኣቡጠዊላ ዝምለከት’ዩ፡፡ ተኽለ ማንጁስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣደርሰር ምስ ዳጎኖ፡ ብተኸታታሊ መርመራ ክገብርሉ ንዝተልኣኹ ኣባላት “ኣነ ብናይ ተኽለ ልኡኻት ዘይኮነስ ብዘይ ሻራውያን ሰባት ክምርመር እየ ዝደሊ” ብምባል ቃሉ ንምሃብ ፍቓደኛ ከይኮነ ጸኒሑ ነይሩ፡፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮ/ል መሓሪ ጸጋይ ከይተረፈ ከዘራርቦ ፈቲኑ ኣይተሳኸዓሉን፡፡

ኣብ ኣደርሰር ነብሱ ሓቂቑ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ምስተኣሰረ፡ ደሓር ናብ ሓሽፈራይ ተዛዊሩ፡፡ ኣብተን ናይ ሓለፍቲ ዝተብሃላ ክፍልታት ተኣሲሩ ከም ፍታሕ ኣብ ኣፍ ደገ ክውዕል ተገይሩ ነይሩ፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓሽፈራይ’ውን መስሓቕ እሱራት ኮይኑ ዳርጋ ናብ ጽላለ ገጹ ኣምሪሑ ነይሩ፡፡ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ብዙሓት መሳርሕቱ ብፍላይ ከኣ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ደቡብ ሌ/ኮ ኪዳነ በርሀ (ርእሶም)፡ ሓላፊ ጨንፈር ጸረ ስለያ ዞባ ጋሽባርካ ሜጀር ገብረትንሳኤ ገብረሃንስ (ቅኑዕ)፡ ሓላፊ ጨንፈር ጸረ ብልሽውና ሌ/ኮ ወልደርፋኤል ተኽለ (በርሀ)፡ ሓላፊ ተኸላኻሊ ጸጥታ ሓለዋ (Positive intelligence) ሌ/ኮ ዓሊ እድሪስ (ዓሊ ሊሎ) “ክንደይ ጀሃድ ዘጥፍአን ብዙሕ ሃገራዊ ሚስጢራት ዝፈልጥን ሰብ ኣሲርና ናብ ጸላኢ ንልውጦ ኣለና” እንዳበሉ ክሓትሉን ክሕለቕሉን ጸኒሖም ‘ዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ብ/ጀነራል ስምኦን ምስ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተዘራሪቡ ንኽፍታሕ ተወሲንሉ፡፡ ኣብ ባንኪ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዘቕመጦ ገንዘብን ዝሰርሖ ኣባይትን ተሃጊሩ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኣብ ቀረባ ተፈቲሑ ‘ሎ፡፡

ብኢንቦክስ ካብ ዝመጸኒ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ድማ: ኣቐዲሙ ኣብ ተሰነይ እንዳ ዚንጎ ከባቢ ንስድራ ስውኣትን ስንኩላንን ሓገዝ ተባሂሉ ዝተዓደለ፡ ደሓር ኣቡጠዊላ መንጢሉ ብስሙን ካልኦት ስድራቤቱ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ መሬት ተሓዲጉ፡ ምስተፈትሐ ኣብ ተሰነይ ኣብ ዞባ ሰውራ ብምምሕዳር እንዳ እኽሊ ተዓዲልዎ፡ ሕጂ ከም ተራ ዜጋ ብርብዒት እኽሊ እንዳገዝአን እንዳሸጠን ኣብ ሞንጎ እቲ ዘጋፍዖ ህዝቢ ደኒኑ ይነብር ከምዘሎ ‘ዩ፡፡ ኣባጓይላ ጥፍኣት ከምቲ ልሙድ ድሕሪ ገለ እዋናት ኣልዒሉ ናበይ ከምዝውዝዖ ድማ ብሓባር ክንርኢ ኢና፡፡

 

ወደሓንኩም!!

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close